ዝመጽእ ሰብ የለን (No One Is Coming)

ዝመጽእ ሰብ የለን (No One Is Coming)

$29.99 CAD
Skip to product information
ዝመጽእ ሰብ የለን (No One Is Coming)

ዝመጽእ ሰብ የለን (No One Is Coming)

$29.99 CAD

  ዋላ ሓደ ሰብ ኣይመጽእን እዩ! (ዝርከበልካ የለን!)

ብሓቂ ክጅምር ፍቐደለይ። ዋላ ሓደ ሰብ ኣይመጽእን እዩ።
ስድራቤትካ ኣይመጽኡ፡ ኣዕሩኽካ ኣይመጽኡ፡ መንግስቲ ኣይመጽእ፡ ሕሉፍ ታሪኽካ እውን እንተኾነ ኣይርከበልካን ኢዩ። ህይወትካ ከዐርየልካ ዝመጽእ ዋላ ሓደ ሰብ የለን። 

ዓለም ንስኻ ምድካምካ ግዲ የብላን። ዕዳጋ ንስኻ ተስፋ ምቑራጽካ ኣይግድሶን እዩ።
ግዜ ንስኻ ምድንጋርካ ኣይሓልየልካን እዩ። ምሳኻ፡ ወይ ድማ ብዘይ ብኣኻ ህይወት ትቕጽል እያ።


 መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ህይወቶም ዕድል እናተጸበዩ፡ ደገፍ እናተጸበዩ፡ ድሉዋት ዝኾኑ ኮይኑ ክስምዖም እናተጸበዩ ፡ ናይ ህይወቶም ምሉእ ሓላፍነት ከይወሰዱ ዓመታቶም ኣብ ምጽባይ የሕልፍዎ። ግናኸ ድልውነት ስምዒት ኣይኮነን ፡ ውሳነ እምበር። ቅድም ድሉው ኮይንካ ኣይኮንካን ሓላፍነት እትስከም። ሓላፍነት ትስከም፡ ንሱ ድማ ድሉው ይገብረካ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ናይ ሞቲቬሽን  ኣይኮነትን። ሞቲቬሽን ግዝያዊ እዩ። ኣብ ኩነታት ስምዒት ዝተመርኮሰ እዩ። ጸቕጢ ምስ ዝመጽእ ድማ ይጠፍእ። እዚኣ መጽሓፍ እዚኣ ብዛዕባ ድስፕሊን እያ፡ ክትደክም ከለኻ ዘሎ ድስፕሊን! ሰባት ክርድኡኻ ኣብ ዘይክእልሉ እዋን ዘሎ ድስፕሊን! ዋላ ሓደ ሰብ ጣቕዒት ኣብ ዘይህበሉ እዋን ዘሎ ድስፕሊን! ። ምኽንያቱ እቲ ሓቂ ቀሊል እዩ። ስምዒታትካ ምስቲ እትረኽቦ ውጽኢት ዝተኣሳሰር ኣይኮነን። ዕዳጋ  ንዋጋ  እዩ ዓስቢ ዝህብ። ዓለም ንስርዓት ዓስቢ ትህብ። ህይወት ንሓላፍነት ዓስቢ ትህብ። ኣብ ዕዳ እንተለኻ፡ ንሱ ዘሎ ሓቂ እዩ። ክእለት እንተደኣ ስኢንካ፡ ንሱ ዘሎ ሓቂ እዩ። ከባቢኻ ይድሕረካ እንተሎ፡ ንሱ ዘሎ ሓቂ እዩ። ሓቂ ንስኻ ስለ ዘይጠዓመካ ኣይዕጸፍን እዩ። ለውጢ ዝመጽእ ድስፕሊን ምስ ዝህልወካ ጥራይ እዩ። ኣብ ውሽጢ እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ሓጸርቲ መገድታት ወይ ኣቋራጭ ኣይክትረክብን ኢኻ፡ ምኽንያታት ኣይክትረክብን ኢኻ፡ ልኡም ምጽንናዕ እውን ኣይክትረክብን ኢኻ። ኣብዚ እትረኽቦ ነገር ስርዓት ጥራይ እዩ። ገለ ገጻት የቖጥዑኻ ይኾኑ። ጽቡቕ! ዕብየት መብዛሕትኡ ግዜ ምቾት ኣይህብን እዩ። ድጋፍን ርህራሄን እንተደሊኻ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ዕጸዋ። ተሓታቲ እትገብሮ ካልእ ሰብ እንተደሊኻ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ዕጸዋ። ግናኸ፡ ምጽባይ ከተቋርጽ ድሉው እንተዄንካ፡ ምስ ድኻም ገዛእ ርእስኻ ምድርዳር ከተቋርጽ እንተደሊኻ፡ ጾር ክትስከም ድሉው እንተዄንካ፡ እዛ መጽሓፍ ንዓኻ ኢያ፡ ቀጽል። ምኽንያቱ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ከም ዘይመጽእ ምስ ተረዳእካ፡ ምጽባይ ተቋርጽ፡ ምጽባይ ምስ ኣቋረጽካ ድማ ምህናጽ ትጅምር።

 

ኣገዳሲ፡ ኣብ ግዜ ክፍሊት ምሉእን ቅኑዕን ኣድራሻኹም ኣረጋግጹ። ኣብ ውሽጢ ካናዳ ጥራይ ኢና ንሰድድ።

Important: please enter your full and correct shipping address at checkout. We ship within Canada only.

This book is general financial education. It is not financial, investment, insurance, tax or legal advice, it does not recommend any specific product, and reading it does not create an advisor client or broker client relationship. Full disclaimer: https://www.eriinvesting.com/financial-education-disclaimer

You may also like